13 ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “እንሆ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፥ ‘ስሙ መን እዩ?’ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ?” በሎ።
ያእቆብ ከዓ “በይዛኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ጠየቆ። ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ስመይ ትጥይቐኒ?” በሎ፤ ሽዑውን ባረኾ።
እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፤ ስሙ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ኣነ እየ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ እቲ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ።
ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን።
ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?
ስለዙይ ህዝበይ ስመይ ክፈልጥ እዩ፤ ስለዙይውን ዝናገር ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።
ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ።
ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እቲ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” በሎ።
ሽዑ እታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናባይ መፀ፤ ትርኢቱውን ከም ትርኢት መልኣኽ እግዚኣብሄር የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ከም ዝኾነ ኣነ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን።