12 እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።
ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።
እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንያእቆብ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ።
ሽዑ ንሕዝቅያስ “ንኣኻ ግና እዙይ ምልክት ይኹንካ፤ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፥ ብኻልአይቲ ዓመት ከዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ኽትዘርኡን ክትዓፅዱን፥ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍረኡ ኽትበልዑን ኢኹም።
ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።
ትእምርቲ ሰናይውን ምሳይ ግበር፤ ፀላእተይ ይርኣዩ፤ ይሕፈሩውን፤ ረዲእኻንን ኣፀናኒዕኻንን ኢኻሞ።
ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ።
ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መፀ።
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “እንሆ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፥ ‘ስሙ መን እዩ?’ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ምሳኻ ክኸይድ እየ፤ ከዕርፈካውን እየ” በሎ።
ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ።
“እዙይ ከዓ ምልክት ይኹንካ ‘በዝ ዓመትዙይ ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፥ ንዓመታ ኸዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ፥ ክትዘርኡን ክትዓፅዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ፥ ፍረኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤
ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤ ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።
ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።]
ኢድ ጐይታውን ምስኣቶም ነበረ፤ ብዙሕ ዝቝፅሮም ሰባት ድማ፥ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ።
ኣነ ግና፥ ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ‘ብድሕሪዙይ ካብኡ ወፂኦም፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።’
እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ።
እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተርኣዮ፤ “ኣታ ፅኑዕ ሓያል ሰብ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
ጌዴዎን ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ኣርእየኒ በሎ፤
ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ነኽኦ እሞ ኻብቲ ኰዅሒ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ኣዒንቱ ተሰወረ።
እቲ ዝዛረብዎ ስማዕ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኢድካ ኽትተብዕ እያ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ምስ ሓሽከሩ ፉራ፥ ናብ ጥቓ እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ።
‘ናባና ደይቡ’ እንተ በሉና ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበና እዙይ ምልክት እዩ እሞ፥ ናብኣቶም ንድይብ” በሎ።