8 እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን።
ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ።
“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ።
ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ።
እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ።
ፅድቂ መዕጠቒ ሕቘኡ፥ ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ።
ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ኸደኖ፤ ቅናት እውን ኣቐነቶ፤ ካባ ደሪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኤፉድ ገበረሉ፤ በቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ቕናት ኤፉድ ድማ ኣቐነቶሞ፥
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ፥ ክሳዕ እግሩ ዝተኸድነ፥ ብቕናት ወርቂ እውን፥ ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ።