Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 28:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 28:4
20 Referencias Cruzadas  

ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ።


ኣእማን ዕንቊ፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን እዩ።


ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቕዱስ ኣኽሊል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።


መጠምጠምያን ናይ ገይፂ ቖብዕን ገበሩሎም። ስረታት ድማ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ገበሩሎም።


ፅድቂ መዕጠቒ ሕቘኡ፥ ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ።


ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።


ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።


እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ።


ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር።


ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።


ሳሙኤል ግና ገና ብቘልዑኡ እንተሎ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።


ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ።


ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።


ዳዊት ንኻህን ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ “በይዛኻ ኤፉድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፉድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos