2 ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ።
እምበኣርከስ ክብረትን ልዕልናን ተሸለም፤ ክብርን ግርማን ከዓ ልበስ።
ንኻህናታ ድሕነት ከልብሶም እየ፤ ቅዱሳና ኸዓ የመና ኽሕጐሱ እዮም።
ካህናትካ ፅድቂ ይልበሱ፤ ቅዱሳንካ ድማ ደስ ይበሎም።
እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ፥ ንየዋሃን ብምድሓኑ ልዕል ልዕል የብሎም እዩሞ።
ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚኡ፥ ቅድስናን ግርማን ኣብ ውሽጢ መቕደሱ እዮም።
ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም።
እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።
ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥
ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።
ሙሴ ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁን ነፀገ። ንኣሮንን ንኣልባሱን ንደቁን ነልባሳት ደቁን ከዓ ኸምዙይ ገይሩ ቐደሰ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ኵልኻትኩም፥ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።
ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”