9 “ነቲ ድንኳን ቕፅሪ ግበረሉ። ብወገን ደቡብ ነቲ ቕፅሪ ብዝተፍሓሰ ሃሪ ጌርካ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ።
ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ኣፀድ ሰርሐ፤ ነቲ መንደቑ ሰለስተ መስርዕ ብፅሩብ እምኒ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዘሎ ማእኸላይ ኣፀድ ባረኾ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ነሃስ ስለ ዝነኣሰ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ሰውኦ።
ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐ።
ኣደባባይ ካህናትን፥ ገፊሕ ኣደባባይን ገበረ፤ መዓፁታት እቲ ኣደባባይውን ሰርሐ፤ ነቲ መዓፁታቱውን ብነሃስ ለበጦ።
ናብ ደገታቱ ብምስጋና፥ ናብ ኣፀዱውን ብውዳሴ እተዉ፤ ኣመስግንዎ፤ ንስሙውን ባርኹ።
ካብ ኣእላፍ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣደባባያትካ ትሐይሽ፤ ስለዙይ ኣብ ኣባይቲ ሓጥኣን ካብ ምንባርስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክድርበ መረፅኩ።
ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ተተኺሎም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓፀድ ኣምላኽናውን ይበቝሉ።
ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕምዲ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ይኹን።
መጋረጃታት ቅፅርን ምስ ናይ ኣዕማዱን ኣእጋሩን፥ ከምኡ ኸዓ መጋረጃ ኣፍ ደገ ቕፅሪ፥
ኣብቲ ቐዳማይ ዝተጋጠመ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ፥ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ።
ነቲ መጋረጃታት ቅፅሪ ምስ ኣዕምዱን መርገፂኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ኣፍ ደገ ቕፅሪ ምስ ኣግማዱን ሽኻላቱን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ዝውዕል ኵሉ ኣቑሑን፥
ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ከዓ፥ ቅፅሪ ኣቖመ፤ ነቲ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ድማ፥ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ነቲ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ።
ነቲ ቕፅሪ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፤ ነቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቕፅሪ ግበሮ።
ነተን ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ኣፀድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ።
ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ዙርያ እቲ ዓፀድውን ብእምኒ ተነፂፉ ነበረ፤ ኣብቲ እምኒ እተነፀፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ።
ነቲ ንሰሜን ገፁ ዘሎ ናይ ወፃኢ ዓፀድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ።
ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ድማ፥ ብኣንፃር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዝሪኣ ደገታት ነበረ፤ ካብታ ሓንቲ ደገ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።
በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ፥ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ኣእተወኒ፤ ነታ ደገ ደቡብ ከዓ ኽንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ።
ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ዓፀድ ወሰደኒ እሞ፥ ነታ ደገ ኽንዲ እቲ መዐቀኒ ኣመታ።
ኣብ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸዓ፥ ንመዘምራን ዝተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ እትርኢ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ እትርኢ።
ኣብ ኣንፃር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸዓ፥ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ነበረ።
መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን፥ ገመዳቱን ኵሉ ኣቑሑ ኣገልግሎቶምን ይፁሩ። ከምዙይ ገይሮም ኵሉ ኣገልግሎቶም ይፈፅሙ።
ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ።