8 ነቲ መሰውኢ፥ ጓንጓ ጌርካ ብሉሕ ስርሓዮ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ገይሮም ይስርሕዎ።
ዳዊት ድማ ንድፊ ናይቲ ገበላ ቤተ መቕደስን ህንፃታቱን መዛግብቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ ቦታኡን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ።
ዳዊት ከዓ “ከምቲ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸውዕሎ ናይዚ ዅሉ ነገር እዙይ ንድፊ ተፅሒፉ መፀኒ” በለ።
ከምቲ ኣብቲ እምባ ዘርአኹኻ ምስሊ ጌርካ ብጥንቃቐ ስርሓዮ።
ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።
“ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ፥ ናይ ምስክር ድንኳን ነበረቶም፤ ንሳ ኸዓ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ከምታ ዝረአያ ምስሊ ገይሩ ኽሰርሓ ዝኣዘዞ እያ።
እዚኣቶም ንምስልን ፅላሎትን፥ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ፥ “ኵሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ስራሕ” ዝበሎ።