7 ነቲ መሰውኢ ምፅዋሩ ምእንቲ ኽምቹ፥ ነቲ መፃውር ብኽልተ ወገኑ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።
መፅወሪ እቲ ጠረጴዛ ዝኸውን፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ።
ነቲ መሰውኢ ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው መፃውር ግበረሉ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ።
ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐድኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ግበሮ። እወ፥ እቲ መፆሪ ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ ኣብ ክልተ ወሰን ግበሮ።
“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።