5 ነቲ መጋረዲ ድማ ኣብ ትሕቲ መንከስ መሰውኢ ግበሮ። ንሱ ኻብ ታሕቲ ኽሳዕ እቲ ፈረቓ መሰውኢ ይብፃሕ።
ብነሃስ ዝተሰርሐ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፤ ነቲ መንፊት ከዓ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበረሉ።
ነቲ መሰውኢ ድማ ብዕንፀይቲ ሰራው መፃውር ግበረሉ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ።
ነቲ መሰውኢ ዝኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ፥ ብነሃስ ሰሪሑ ኣብ ትሕቲ መንከስ እቲ መሰውኢ ኣልገቦ፤ ብወገን ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ኸም ዝበፅሕ ድማ ገበሮ።
ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓደ እመት እዩ፤ ካብቲ ታሕተዋይ ሕዳግ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ፥ ኣርባዕተ እመት ወርዱውን ሓደ እመት እዩ።