4 ብነሃስ ዝተሰርሐ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፤ ነቲ መንፊት ከዓ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበረሉ።
ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኽልተ ቐለበት ብሓደ ገፁ፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ገፁ፥ ኣብ ኣርባዕተ እግሩ ግበረሉ።
ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ።
ነቲ መጋረዲ ድማ ኣብ ትሕቲ መንከስ መሰውኢ ግበሮ። ንሱ ኻብ ታሕቲ ኽሳዕ እቲ ፈረቓ መሰውኢ ይብፃሕ።
ነቲ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውእን ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡ ንመፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡ፥
ብእኡ ገይሩ መርገፂ ኣፍ ደገ ናይቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ መሰውኢ ምስ መጋረዲኡን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውእን፥