Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 27:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 27:3
17 Referencias Cruzadas  

ከምኡውን ኪራም ገበራታትን መፅሓሪያታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ዅሉ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ፤


ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ነበሩ። እዝ ዅሉ ኪራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብፅሩይ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።


ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ፅዋዓትን መሳቐይታትን ጭሐሎታት ፅንሃሃትን መፅሓሪታትን፥ ብወርቂ ዝተገብረ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን፥ ናይ መቕደስ መዓፁን፥ ወንዲ ወንዶታትን ኣስርሐ።


ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪያታትን ካራታትን ፅዋዓትን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑን ወሰድዎ።


እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ዝተሰርሐ ዅሉ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን ወሰዶ።


ንሻኳታትን ጭሐሎታትን ኵስኵስትታትን፥ ዝኸውን ፅሩይ ወርቂ፥ ንናይ ወርቂ ፅዋዓት ነንፅዋዕ ብሚዛን፥ ንናይ ብሩር ፅዋዓትን ነንፅዋዕ ብሚዛን ሃቦ።


ኪራም ከዓ ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ስለዙይ ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣቑሑ ሰሪሑ ፈፀሞ።


ድስትታትን መፅሓሪታትን ሻኳታትን ንእኡ ዝመስል ካልእ ኣቑሑን ሰርሐ። ኪራም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብዘንፀባርቕ ነሃስ ሰርሖ።


ሙሴ ድማ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ሒላባት ገበሮ፤ ፍርቂ እቲ ደም ከዓ ናብ መሰውኢ ነፀጎ።


ኣቑሑ ድንኳን ብምሉኡን፥ ኵሉ መስርሒኡ ዝኸውንን፥ ኵሉ ሽኻላቱን፥ ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ።


በርባዕተ መኣዝን ኣቕርንቲ ግበረሉ። እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ መሰውኢ ብሓደ ለጊቡ ይሰራሕ፤ ብነሃስ ከዓ ለብጦ።


ብነሃስ ዝተሰርሐ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፤ ነቲ መንፊት ከዓ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለበት ነሃስ ግበረሉ።


ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ቍራዕን መፅሓሪን ውንጭሕትን መውግኢ ስጋን ምድጃን ገበረ፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ብነሃስ ሰርሖ።


ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ።


ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos