16 “ንኣፍ እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ፥ ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሑ ዝተጠልፈ መጋረጃ ስርሐሉ። ኣርባዕተ መርገፂ ዘለዎ ኣርባዕተ ኣዕምዲ ድማ ግበረሉ።
ብድሕሪኣ ንንጉስ ደናግል ይወስዱሉ፤ ንብፆታውን ናባኻ የቕርቡ፤ ናብቲ ንጉስ የእትዉወን።
“ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ መጋረጃ ግበር፤ ክኢላታት ሰባት ከዓ ምስሊ ኪሩቤል ይግበሩሉ።
“ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ መጋረጃ ግበር።
ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ግበረሉ።
ነቲ ኣብ ዙርያ ቕፅሪ ዘሎ ዅሉ ኣዕምዲ፥ ዘንግታት ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ግበረሉ። መርገፂኡ ኸዓ ብነሃስ ጌርካ ስርሓዮ።
“ብሃሪ ዝተኣልመ ቐሚሽ ውሽጢ ግበር። ብሃሪ ድማ መጠምጠምያ ግበር። ዝተጠልፈ ቕናት እውን ግበር።
መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከዓ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ዝተፍሓሰ ሃርን ገይሮም ጠለፍዎ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ቕናት ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብምጥላፍ ዝተሰርሐ ነበረ።
መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
‘ምርኮዶ ረኺቦም ኣይኮኑን? ተኻፊሎምከ የለዉንዶ? ምርኮ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ሓሓንቲ ወይ ከክልተ ቘናጁ፥ ምርኮ ንሲሳራ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፥ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፥ ንኽሳድ ዝኸውን ብኽልተ ወገኑ ዝተጠልፈ ኽዳውንቲዶ ኣይረኸቡን?’