15 ብኻልኣይ ወገኑ ድማ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ኸዓ ግበረሉ።
ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ወገኑ፥ ሸውዓተ ሜትር ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበረሉ። ሰለስተ መርገፂ ዘለዎ ሰለስተ ኣዕምዲ ድማ፥ ግበረሉ።
“ንኣፍ እቲ ቕፅሪ ድማ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ፥ ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሑ ዝተጠልፈ መጋረጃ ስርሐሉ። ኣርባዕተ መርገፂ ዘለዎ ኣርባዕተ ኣዕምዲ ድማ ግበረሉ።