Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 27:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 “ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ መሰውኢ ግበር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 27:1
20 Referencias Cruzadas  

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ጋድ ናብ ዳዊት መፂኡ “ናብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ኺድ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መሰውኢ ስራሕ” በሎ።


ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ነሃስ መሰውኢ ድማ ኻብ ቅድሚ እታ ቤተ መቅደስ ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ድሕር ኣቢሉ፥ ብወገን ሰሜን እቲ ሓድሽ መሰውኢ ኣቐመጦ።


ኣሮንን ደቁን ግና ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዅሉ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ዕጣንን የቕርቡ ነበሩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረኽቡ ይገብሩ ነበሩ።


ንጉስ ሰሎሞን ብነሃስ ገይሩ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ዓሰርተ እመትን ፈረቓን፥ ዝኾነ መሰውኢ ሰርሐ።


ሽዑ ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ከምኡውን ወዲ ዘሩባቤል ሰላትያልን ኣሕዋቱን፥ ከምቲ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ሙሴ፥ ሕጊ ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡሉ ተሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።


ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” ኢሉ ድማ ሰመዮ።


ሙሴ ድማ ንዅሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ፀሓፎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓምዲ እምኒ ንነፍሲ ወከፎም ሰርሐ።


ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡን፥


ነቲ መስዋእቲ ዝቃፀለሉ መሰውእን ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡ ንመፃውሩን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡ፥


ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ምስቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መጋረዲኡን መፃውሩን፥ ኵሉ ኣቑሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፥


ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውኢን ንዅሉ ኣቑሑኡን ድማ ቕብኣዮ፤ ነቲ መሰውኢውን ቐድሶ እሞ፥ እቲ መሰውኢ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መሕደሪ ናይ መራኸቢ ድንኳን ኣንበሮ እሞ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣብኡ ኣቕረበ።


“ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ግበሮ።


ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።


“ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ።


ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።


እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ፥ ካብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም፥ ንኣና መሰውኢ ኣለና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos