9 ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ።
ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር።
ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ።
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ።
ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።