8 ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።
እቲ ብኽልተ ጐኑ፥ እመት በዙይ፥ እመት በቱይ፥ ሕልፊ ዘለዎ መደረብታ ዓለባታት፥ ብኽልተ ወገኑ ተንጠልጢሉ ነቲ ድንኳን ይኽደኖ።
ዓቐን እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ።
ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ።