24 እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፤ ክሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ከምኡ ይኹን።
ነቲ ድንኳን ብወገን ድሕሪቱ ንመኣዝን ዝኸውን ክልተ ሉሕ ግበረሉ።
ሸሞንተ ሉሕን ብብሩር ዝተሰርሐ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፅን ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ፥ ከክልተ መርገፂ ግበር።
ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ከም ዝኾንኩምን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ሓዲሩ ኸም ዘሎንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።