23 ነቲ ድንኳን ብወገን ድሕሪቱ ንመኣዝን ዝኸውን ክልተ ሉሕ ግበረሉ።
ንውሻጠ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኻብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ መንደቕ ዕስራን ትሽዓተን ሜትር ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ፤ እዝ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ውሽጣዊ ኽፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ እዩ።
ብድሕሪ እቲ ድንኳን፥ ማለት ብወገን ምዕራቡ ሽዱሽተ ሉሕ ግበር።
እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፤ ክሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ከምኡ ይኹን።