2 ዓቐን እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።
እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቱ ይቕመጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንነቢይ ናታን “እንሆ ኣነ ብዝግባ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እቕመጥ ኣለኹ፤ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ኣሎ” በሎ።
“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።
ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ።
ዓለባታት እቲ መራኸቢ ድንኳንን መኽደኒኡን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት እንስሳ ባሕርን፥ እቲ መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥