19 ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ።
እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ።
ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር።
ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ ዕስራ ሉሕ ግበር።
ሸሞንተ ሉሕን ብብሩር ዝተሰርሐ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፅን ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ፥ ከክልተ መርገፂ ግበር።
ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ፥ ነቲ መጋረጃ ሓሙሽተ ዓምዲ ግበረሉ። ብወርቂ ለብጦ፤ መሰቓቐሊኡ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይኹን። ነሃስ ኣፍሲስካ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ግበረሉ።
ብነሃስ ዝተሰርሐ ዕስራ መርገፂ ዘለዎ፥ ዕስራ ኣዕምዲ ስርሐሉ። ናይቲ ኣዕምዲ መሰቓቐልን ዘንግታትን ብብሩር ይኹን።
ካብቲ ብሩር፥ ንሓደ መርገፂ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ብምፍሳስ፥ ነቲ ድንኳንን ነቲ መጋረጃታትን ዝኸውን፥ ሚእቲ መርገፂ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ወድአ።
ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ኣቖሞ፤ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ሉሓቱ ኣቖሞ፤ ጋድማቱ ኣእተወ፤ ኣዕምዱውን ተኸለ።
ኣእጋሩ ኣብ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰረታ፥ ከም ኣዕማድ እምነ በረድ ይመስላ፤ መልክዑ ኸም ሊባኖስ፥ ከም ኣእዋም ዝግባ ዝተመረፀ እዩ።
ደቂ ሜራሪ ዝተመረፅዎ፥ ሓለዋ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ምስ ኵሉ መሳርሒኡን፥