18 ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር።
እቲ ንምድሪ ኣፅኒዑ ሒዙ ዘሎ ዓምዲ ኣብ ምንታይ ተተኺሉ ኣሎ? ነቲ እምኒ መኣዝና ዘቖመኸ መን እዩ?
“ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ።
እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ።