17 እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ።
ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን።
ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር።
ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ።
ነንሕድሕድ ሉሕ መጣምቲ ዝኾኑ ኸክልተ መተሓሓዚ ገበሩሉ። ንዅሉ እቲ ሉሓት ድንኳን ከዓ ኸምኡ ገበሩሉ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ፥ ብብሩር ዝተሰርሐ ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ መተሓሓዚ ዘለዎ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሓት ከዓ፥ ንኽልተ ጉጭ ከክልተ እግሪ ገበሩሉ።