15 “ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ።
ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ልስሉስ ቈራብቲ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥
ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን።
ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር።