11 ብነሃስ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መቘለፊ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።
ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር።
ፍርቂ ናይቲ ዝተረፈ ዓለባ፥ ነቲ ናይቲ ድንኳን ዳሕረዋይ ወገን ይኽደኖ።
ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ።
ብወርቂ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መሕደሪ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ክኸውን ከዓ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፊ ንስንሳቱ ኣጋጥሞ።