10 ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር።
ብነሃስ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መቘለፊ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።
ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ብሓደ ዝተላገበ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ኸምኡ ግበር።
ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ።
ኣብቲ ሓደ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። ኣብቲ ኻልኣይ ዝተጋጠመ ኸዓ፥ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ መጋረጃ ሓምሳ ቐለበታት ገበሩ። እቲ ቐለበታት ድማ፥ ንሕድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበርዎ።