7 ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ዓው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።
ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ፥ ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ፅላት እምኒ ሓደኳ ኣይነበረን።
ዓው ብዝበለ ድምፅን ዕልልታን፥ ብመለኸትን እምብልታን ድማ ንእግዚኣብሄር መሓሉሉ።
ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።
ብኣፎም ፈተውዎ፤ ብመልሓሶም ድማ ጠበርዎ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብፂ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኸምዙይ ኢለ ምስኣቶም ኪዳን ኣተኹ፤
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ሰናይ ምእንቲ ክኾነልና፥ ይፀብቕ ወይ ይኽፋእ፥ ነቲ ናብኡ እንልእኸካ ዘለና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንእዘዞ ኢና” በልዎ።
“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ቅዱሳን ኣሕዋት ክተንብብዋ፥ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ።