6 ሙሴ ድማ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ሒላባት ገበሮ፤ ፍርቂ እቲ ደም ከዓ ናብ መሰውኢ ነፀጎ።
ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።
ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእኸል ካህናቱ፥ ሳሙኤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቶም ስሙ ዝፅውዑ እዮም፤ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ፀውዕዎ፤ ንሱውን መለሰሎም።
ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ።
ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ።
ሙሴ ኸዓ ነቲ ደም ወሲዱ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ነዘን ቃላት እዚኣተን ክህበኩም እንተሎ ዝኣተዎ ኺዳን ደም እዩ” እናበለ ናብ ህዝቢ ነፀጎ።
ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።
ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ጫፍ የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን፥ ኣብ ጫፍ የማናይ ኣእዛን ደቁን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእዳዎምን፥ ኣብ የማናይ ዓበዓባይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።
ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ።
ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ናባይ የቕርብዎ። ኣብቲ መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።
ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
ከምታ ብኢዶም ሒዘ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይፀንዑን እሞ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይውን እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ክትስራዕ እንተላኳ፥ ብዘይ ደም ኣይፀንዐትን።
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።
ከምኡ ድማ፥ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሑን ደም ነፀገሉ።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።