3 ሙሴ ድማ መፂኡ ነቶም ህዝቢ፥ ኵሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕግጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ድምፂ “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ንገብር” ኢሎም መለሱሉ።
ዓው ብዝበለ ድምፅን ዕልልታን፥ ብመለኸትን እምብልታን ድማ ንእግዚኣብሄር መሓሉሉ።
ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ንእግዚኣብሄር ደለይዎ፤ ንሱውን ተረኽበሎም፤ ኣብ ዙርያኦምውን ዕረፍቲ ሃቦም።
ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ።
ንስኻ ሙሴ ኸዓ በይንኻ ናባይ ቅረብ፤ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምሳኻ ናባይ ኣይደይቡ” በሎ።
ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ዓው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።
ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብፂ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኸምዙይ ኢለ ምስኣቶም ኪዳን ኣተኹ፤
ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
“ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱንውን ኵልሻዕ ሓልዉ።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።
“እንሆ፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር ምእንቲ ኽትፍፅምዎ፥ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕግጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም።
ሙሴ ድማ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ ኦ ህዝቢ እስራኤል! እዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ፤ ተምሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን።
ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል።
“እቲ ኣብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ፥ ሃገር ክትፍፅምዎ ኣነ ኽምህረኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ኣይኸውንን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” በልዎ።
ኢያሱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኸም ዝሓረኹም ባዕልኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ መሰኻኽር ኢና” በሉ።
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ።