16 ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ እምባ ሲና ወረደ፤ እቲ ደመና ኸዓ ሽዱሽተ መዓልቲ ጐልበቦ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኻብ ማእኸል እቲ ደመና ፀውዖ።
ብዓምዲ ደመናውን ተዛረቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓለዉ።
ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ኾነ ኣገልጋሊትካ፥ እንስሳኻ ኾነ ኣብ ውሽጢ ደገታትካ ዘሎ ስደተኛ፥ ከቶ ስራሕ ኣይትስርሑ።
ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንደቂ እስራኤል ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ፥ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ተርኣየ።
እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ።
ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም።
ሙሴ ኸዓ “ክብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽግለፀልኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና “ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎም” ተበሃሃሉ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተርኣየ።
እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን ክቃወሙ ምስ ተኣከቡ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቢሎም ግልፅ በሉ። እንሆ ድማ ነቲ ድንኳን፥ ደመና ጐልበቦ፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ተርኣየ።
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤