Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 24:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ፅናሕ፤ ፅላት እምንን ነቲ ንህዝቢ ኽትምህሮም ኢለ ኣብኡ ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 24:12
21 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል” በሎ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ የመና ብርቱዕ ንፋስ መፀ፤ ነቲ እምባታት ሰንጠቖ፤ ነቲ ኣኻውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከዓ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን።


እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፥ ስርዓትን ፍርድን ከዓ ኣብ እስራኤል ክምህርን ልቡ ኣዳለወ።


“ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም።


ነታ ቅድስቲ ሰንበትካ ኣፍለጥካዮም፤ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።”


ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።


ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ እምባ ፀዊዑ “ንቤት ያእቆብ ከምዙይ በል፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ንገር፦


ሙሴ ናብ እምባ ደየበ፤ ነቲ እምባ ኸዓ ደመና ጐልበቦ።


ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ።


ንስኻ ሙሴ ኸዓ በይንኻ ናባይ ቅረብ፤ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምሳኻ ናባይ ኣይደይቡ” በሎ።


እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።


እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ።


ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።


እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ፥ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈፀመ ዝምህር ግና፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ።


ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።


ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥


እግዚኣብሄር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትፍፅምዎ ሕግጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ሽዑ ኣዘዘኒ።


እዘን ትእዛዛት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣብቲ እምባ፥ ኣብ ማእኸል ሓዊን ደመናን ፀልማትን፥ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንዅላ ማሕበርኩም ዝተዛረበን እየን፤ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ፅሒፉ ኸዓ ንኣይ ሃበኒ።


ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል።


ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos