5 ኣድጊ ፀላኢኻ ኣብ ትሕቲ ፅዕነቱ ወዲቑ እንተ ረኸብካ፥ ምስ ዋናኡ ዄንካ ሓግዞ እምበር ረጊፅካዮ ኣይትሕለፍ።
ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ እንጀራ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ማይ ኣስትዮ።
“ናይ ሓውኩም ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኡ ኾለል ክብል እንተ ረአኹም፥ ናብ እቲ እስራኤላዊ ሓውኩም ምለስዎ እምበር፥ ክጠፍእ ኣይትሕደግዎ።
“ኣድጊ እስራኤላዊ ሓውኩም ወይ ብዕራዩ ኣብ መንገዲ ወዲቑ እንተ ረአኹም፥ ምስኡ ዄንኩም ሓጊዝኩም ኣተስእዎ እምበር ከም ዘይረአኹም ኣይትሕለፉ።