23 መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ኸጥፍኦም እየ።
እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።
ሴኬም ወዲ ኤሞር፥ እቲ ኤውያዊ ገዛኢ እቲ ሃገር ድማ ረአያ። ወሰዳ እሞ ምስኣ ደቀሰ፤ ኣነወራውን።
ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ።
ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።
ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም።
ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ ቐቅድሜኹም ከም ዝሓልፍ፥ ሎሚ ፍለጡ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ቅድሜኹምውን ከዋርዶም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኩም ክተሳጕጉዎም፥ ቀልጢፍኩም ድማ ኽተጥፍእዎም ኢኹም።
“እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይትን ሓያላትን ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ስለ ዝሰጐጎም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝበለ የለን።
ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ ዓይኑ ኣልዒሉ ጠመተ፤ ዝተመዘዘ ሰይፊ ብኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ናብኡ ኸይዱ፥ “ንስኻ ኻባና ዲኻ ወይ ካብ ፀላእትና?” በሎ።
እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።