2 “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር።
ገና ኸይደቀሱ እንተለዉ ድማ፥ ሰብ ከተማ ሰዶም፥ ኣጓብዝን ዓበይትን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ኸባቢ መፂኡ፥ ነታ ገዛ ኸበባ።
እግዚኣብሄር ድማ ንምድሪ ረአያ፤ ንሳ ኸዓ ተበላሽያ ነበረት፤ ስጋ ዝለበሰውን ኣካይዳኡ ኣበላሽዩ ነበረ።
እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ ፃድቕ ኴንካ ረኺበካ እየ እሞ፥ ምስ ኵሉ ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ።
ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።
ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተልዓለ ፈሪሐ፥ ንዕቐት ኣዝማደይ ኣፍሪሑኒ፥ ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥”
ንሱ ንህዝብኻ ብፅድቂ፥ ንነዳያንካውን ብፍትሒ ኽፈርድ እዩ።
ወደይ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ መንገዲ ኣይትኺድ፤ ካብኣቶም ረሓቕ፤
ፍርዲ ፃድቕ ምእንቲ ኽቕይንን፥ ንሓጥእ ሰብ ምድጋፍ ግቡእ ኣይኮነን።
ናብ መንገዲ ሓጥኣን ኣይትእቶ፤ ብጐደና ኽፉኣትውን ኣይትኺድ።
እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ።
ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ።
ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ።
“እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ?
ጲላጦስ ከዓ ነቶም ህዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፥ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም።
ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል፥ ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበያ ደኣ ነበረ እምበር፥ ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ግና፥ ሕብረት ኣይነበሮን።
ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።
ፊስጦስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ ኣብኡ፥ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
እዚኣቶም “እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ” ዝብል፥ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር እናፈለጡ፥ ነዝ ዅሉ ይፍፅሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ፥ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ።
ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም።
ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።
“ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ክዳን መበለት ከዓ ብትሕጃ ኣይትውሰዱ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”
ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።
ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።