12 “ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።
ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ይነብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ዓሳን ኵሉ ዝሽየጥ ነገርን ኣምፂኦም፥ ንደቂ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ኢየሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ።
ንሱ ኸዓ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ ፅባሕ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት እያ፤ እትስንክትዎ ሰንክቱ፤ እተብስልዎ ኣብስሉ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ንፅባሕ ክኾነኩም ኣሕድርዎ” በሎም።
በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።
“ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።”
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል።
ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ሰፈርኩም ሓዊ እኳ ኣይተንድዱ።”
“ንምንታይ ፆምና? ንስኻውን ኣይተመልከትካናን፤ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሰርና? ንስኻውን ኣይፈለጥካናን” ይብሉ። “እንሆ፥ ብመዓልቲ ፆምኩምስ ድልየትኩም ኢኹም እትገብሩ፤ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ።
“ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን።
እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።