Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 23:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 23:11
11 Referencias Cruzadas  

“እቶም ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ጓኖት ህዝቢ በብዓይነቱ ሸቐጥን እኽልን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ክሸጥዎ ኢሎም ዘምፅእዎ፥ ብመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካብኣቶም ኣይንዕድግን ኢና። በብሻውዐይቲ ዓመት ከዓ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ክንሓድጋ ኢና፤ ነቶም ሰብ ዕዳውን ክንሓድገሎም ኢና ኢሎም መሓሉ።


“ንኣገልግሎት ቤተ መቅደስ ዝውዕል ሓሙሽተ ግራም ብሩር በብዓመት ክንከፍል ኢና።


“ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፤ ፍርያታ ኸዓ ኣእቱ።


“ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።


እንተ ዘይዘራእናን ፍረ ድማ እንተ ዘየእተናን ደኣ በታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንተ በልኩም፥


በታ ሻምነይቲ ዓመት ድማ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ካብ ነባር እኽሊ ኸዓ ኽትበልዑ ኢኹም። እታ ታሽዐይቲ ዓመት፥ ፍሪኣ ኽሳዕ ዝኣቱ፥ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።


ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።


ድኻታት ኣብ ማእኸል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፥ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ እተፀገመ ሓውኩም ኢድኩም ክትከፍቱ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos