10 “ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፤ ፍርያታ ኸዓ ኣእቱ።
“እቶም ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ጓኖት ህዝቢ በብዓይነቱ ሸቐጥን እኽልን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ክሸጥዎ ኢሎም ዘምፅእዎ፥ ብመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካብኣቶም ኣይንዕድግን ኢና። በብሻውዐይቲ ዓመት ከዓ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ክንሓድጋ ኢና፤ ነቶም ሰብ ዕዳውን ክንሓድገሎም ኢና ኢሎም መሓሉ።
በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፥ ድኻ ህዝብኻ ኻብኣ ምእንቲ ኽበልዕ፥ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ በረኻ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ክተዕርፍ ሕደጋ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
ኵሉ ፍረኣ ንእንስሳኻን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ ኣራዊትን ቀለብ ይኹን።
ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።