1 “ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።
ንሳ ድማ፦ “እቲ ዘምፃእኻልና ዕብራዊ ባርያ፥ ከዋርደኒ ኢሉ ናብቲ ዘለኽዎ ኣተወ።
እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
ንሱ ኣባኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓስዩ ኣባኣሰኒ። ጐይታይ ንጉስ ግና ኸም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢኻ እሞ፥ ደስ ዝበለካ ግበር።
ነቲ ንብፃዩ ብሕቡእ ዝሓሚ ንእኡ ኸሳጉጎ እየ፤ እቲ ዕቡይ ዓይንን ስሱዕ ልብን ምሳይ ኣይተሓባበርን።
ስለ ጠባሪ መልሓስ እንታይ ይህቡኻ? እንታይከ ይውስኹኻ?
ብልሳኑ ዘይጥብር፥ ንመሓዛኡ ኽፉእ ዘይገብር፥ ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥
ናይ ሓሰት መሰኻኽርን ዓመፅትን ተልዒሎሙኒ ኣለዉሞ፥ ንድሌት ፀላእተይ፥ ኣሕሊፍካ ኣይተሃበኒ።
መሰኻኽር ዓመፃ ተልዓሉኒ፤ ዘይፈልጦ ነገርውን ኣብ ልዕለይ ተናገሩ።
“ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
ካብ ሓሰት ዘረባ ረሓቕ። ንፁህን ቕኑዕን ሰብ ኣይትቕተል፤ ኣነ ንዝበደለ ሰብ ኣይምሕሮን እየሞ።
ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
ሓቂ ዝዛረብ ቅንዕና የውሪ፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ የውሪ።
እሙን ምስክር ኣይሕሱን፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሰት እዩ ዝዛረብ።
ክፉእ ሰብ ንኸንፈር በዳላይ ይሰምዕ፤ ሓሳዊውን ነታ ኽፍእቲ መልሓስ የዳምፅ።
ወስላታ ምስክር ኣብ ፍትሒ የባጩ፤ ኣፍ ሓጥእ ከዓ በደል ይውሕጥ።
ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ እቲ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ኻብ መቕፃዕቲ ኣየምልጥን።
ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ይጠፍእ።
ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፤ ዝሰምዕ ሰብ ግና ኣስተውዒሉ ይናገር።
ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ንብፃይካ ኣይትጕድኣዮ፤ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠብሮ።
እቲ ኣብ ብፃዩ ብሓሰት ዝምስክር፥ ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ።
ከምቲ ንፋስ ሰሜን፥ ዝናም ዘምፅእ፥ ሓማዪት ልሳን ድማ ገፅ ተፀውግ።
“ሓሰት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን።
ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ።
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንሱ ድማ “ኣየነአን እየን?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤
ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።
ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
“ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም።
ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።
እምበኣር ኵልና፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሰት ምዝራብ ገዲፉ፥ ምስ ብፃዩ ሓቂ ይዛረብ።
ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ይቕረ ዘይብሉ፥ ሓመይቲ፥ ርእሶም ዘይቈፃፀሩ፥ ጨካናት፥ ሰናይ ዘይፈትዉ፥
እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።
ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።