9 “ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።
ኣራዊት ዝቐተላ ኣምፂአልካ ኣይፈልጥን፤ እኳ ደኣ ባዕለይ እኸፍለካ ነበርኩ። ብመዓልቲ ኾነ ብለይቲ ዝተሰርቀት ድማ ኻባይ ትደልያ ነበርካ።
“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥
ካብቶም ኣብ ዝኾነ ኸተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ኣብ መንጎ ደምን ደምን፥ ኣብ መንጎ ሕግን ትእዛዝን፥ ስርዓትን ፍርድን፥ ነገር ናባኻትኩም እንተ መፀ፥ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ቍጥዓ ኸይመፅእ ኣጠንቅቕዎም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፥ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም።
“ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥
“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።
“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።
ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
“ሓውካ እንተ በደለካ፥ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ።
“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”
“ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ተልዓለ፥ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ። እቶም ፈራዶ ነቲ ቕኑዕ ነፃ የውፅእዎ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ ይቕፅዕዎ።