Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 22:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ ግና፥ እቲ በዓል ገዛ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ፤ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘየልዓለ ድማ ይምሓል።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 22:8
9 Referencias Cruzadas  

“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥


ዳዊት ከዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከመሓድሩ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣሕሉቕን ፈራዶን ክኾኑ መረፆም።


እግዚኣብሄር ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ቖመ፤ ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ።


ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ፈረድቲ የቕርቦ፤ ኣብ ማዕፆ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸዓ እዝኑ ብመስፈ ይስቈሮ፤ ክሳዕ ሕልፈቱ ኸዓ ይግዝኣዮ።


“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።


“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።


“ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos