Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 22:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 “ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 22:7
10 Referencias Cruzadas  

“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።


“ሓዊ ተባሪዑ ናብ ቈጥቋጥ እንተ ተባፅሐ፥ እሞ ዅልስስቲ ወይ ዘይተዓፅደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንደደ፥ እቲ ሓዊ ዘንደደ ይኽሓስ።


ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።


ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦


ዝኾነ ሰብ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ንብፃዩ ብምጥፍፋእ ንእግዚኣብሄርውን እንተ በደለ፥ ብፃዩ ዘቐመጠሉ ሕድሪ ወይ ዘትሓዞ እንተ ጠለመ፥ ወይ እንተ ኸተረ ወይ እንተ ዓመፀ፥


ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።


እዙይ ዝበለ ድማ፥ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፥ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዚ ሙዳየ ምፅዋት ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ።


ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos