6 “ሓዊ ተባሪዑ ናብ ቈጥቋጥ እንተ ተባፅሐ፥ እሞ ዅልስስቲ ወይ ዘይተዓፅደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንደደ፥ እቲ ሓዊ ዘንደደ ይኽሓስ።
ካብ ኢዱ እንተ ተሰርቀ ግና፥ ነቲ በዓል ዋና ይተክአሉ።
“ሓደ ሰብ ናብ ዝሩእ ወይ ናብ ቦታ ወይኒ፥ ከፍቱ ሰዲዱ ንናይ ካልእ ዝሩእ እንተብልዐ፥ ካብ ግራቱ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለፀ ይኽሓስ።
“ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ።
“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።
ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ?