4 “ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።
“ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጠ፥ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኽበ፥ ይቀተል።
“ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ።
“ሓደ ሰብ ናብ ዝሩእ ወይ ናብ ቦታ ወይኒ፥ ከፍቱ ሰዲዱ ንናይ ካልእ ዝሩእ እንተብልዐ፥ ካብ ግራቱ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለፀ ይኽሓስ።
“ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ።
“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።
እንተ ተትሓዘ ኸዓ፥ ሸውዓተ ኢድ ይዓዲ፤ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይፈዲ።
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”
ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደዩዋ፤ ከምቲ ግብራውን ዕፅፊ መልሱላ። በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ።
ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።