3 ፀሓይ ምስ በረቐት እንተ ቐተሎ ግና፥ ዕዳ ደም ኣለዎ። “እቲ ሰራቒ ኸዓ ዝሰረቖ ይምለስ። ዝኸፍሎ ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግና፥ ነቲ ዝሰረቖ ምእንቲ ክኸፍል ይሸየጥ።
ንሱ ኸዓ፥ “ሕራይ፥ ከም ዝበልኩምዎ ይኹን። እቲ ዝተረኽበቶ ባርያይ ይኹን፤ ዝተረፍኩም ግና ኻብ በደል ንፁሃት ኢኹም” በለ።
ዕብራዊ ኣገልጋሊ እንተ ዓደግካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ይገዛእኻ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውፃእ።
እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳ ኸዓ ንእኡ ይኹን።
“ሰራቒ ሰይሩ ኽኣቱ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ ወቒዖምዎ ኸዓ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ዝኸፍሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን።
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን፥ ሰበይቱን፥ ደቁን፥ ዘለዎ ዅሉ ሃብትን ክሽየጥ እሞ፥ እቲ ዕዳ ክኸፍል ኣዘዘ።
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ደቂ ኣሞንን ከዓ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።