21 “ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትዓምፅዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ።
ኣብ ልዕሊ ደኽታም ዕፃ ትዋደቑ፤ ንፈተውትኹምውን ጕድጓድ ትዅዕቱ ኣለኹም።
እግዚኣብሄር ንስደተኛታት ይሕልዎም፤ ንደኽታምን መበለትን ይቕበሎም፤ ንመንገዲ ሓጥኣን ግና የጥፍኦ።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
“ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም፤ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ከም ዝኾነት ድማ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትግፍዕዎ።
ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።
ንጓናን ንደኽታምን ንመበለትን እንተ ዘየጨኒቕኩም፥ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንፁህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፥ ንዝጐድኡኹም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይተኸቲልኩም፥
ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።
ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር።
ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ኣይትግፍዕዎ።
ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፤ ከም ርእስኹምውን ፍተውዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ እናሃለወ እንተ ሰኣነ፥ ከም ጓናን ከም ጋሻን ጌርካ ምሳኻ ኣንብሮ።
ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፤ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን፥ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓናውን ብቕንዕና ፍረዱ።
ንሱ ንደኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውፅእ፤ ንስደተኛውን ይፈቱ፤ እንጀራን ክዳንን ከዓ ይህቦ።
ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ስደተኛ ፍተዉ።
ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ከም ዘድሓነኩም ዘክሩ፤ ስለዙይ ድማ እየ ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።
ኣብ ዝደለዮ ኸተማን ኣብ ዝመረፆ ቦታን ምሳኻትኩም ይቀመጥ፤ ኣይትጨቍንዎውን።
“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም።
“ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ክዳን መበለት ከዓ ብትሕጃ ኣይትውሰዱ።
ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዘቐይንን ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።