11 እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል።
“ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥
ካብ ኢዱ እንተ ተሰርቀ ግና፥ ነቲ በዓል ዋና ይተክአሉ።
እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ ግና፥ እቲ በዓል ገዛ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ፤ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘየልዓለ ድማ ይምሓል።
“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።
ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ።
ዝኾነ ሰብ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለፆ ብእኡ ሓጢኣት ገይሩ እዩሞ፥ በደሉ ይፀውር።
ወይ ዝኾነ ዝጠፍአ ረኺቡ እንተሎ ኣሉ እንተበለ፥ ብሓሰት እውን እንተ መሓለ፥ ወይ ብዝኾነ ነገር፥ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በታ ሓንቲኳ እንተ በደለ፥
ሰባት ካብኣቶም ብዝዓቢ ይምሕሉ፤ እቲ ማሕላ ኸዓ፥ ነቲ ዝተብሃለ የፅንዖ፤ ንዅሉ ኽርክር ከዓ ይውድኦ።