Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 22:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 “ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 22:10
6 Referencias Cruzadas  

ንሱ ድማ፥ ንሰበይቲ ጐይታኡ “እንሆ፥ ጐይታይ ኣብ ገዛኡ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፥ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ።


እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል።


“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።


እቲ እንተይፈለጠ ንመቕፃዕቲ ዘብፅሕ ግብሪ ዝገበረ ግና፥ መቕፃዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙሕ ንዝሃብዎ፥ ካብኡ ብዙሕ ይደልዩ፤ ብዙሕ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ፥ ካብኡ ኣብዚሖም ይፅበዩ።


እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?


በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos