Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 22:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 “ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 22:1
9 Referencias Cruzadas  

እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበረን፥ ርህራሀውን ስለ ዘይነበሮን፥ ክንዲ እታ ዝወሰዳ በጊዕ ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ።


እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ እሞ፥ ዋናኡ እንተ ዘይሓለዎ ግና ብዕራይ፥ ክንዲ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳውን ንእኡ ይኹኖ።


ብዕራይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ እኽሊ ኣይርከብን፤ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ።


እንተ ተትሓዘ ኸዓ፥ ሸውዓተ ኢድ ይዓዲ፤ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይፈዲ።


ደም ንፁሃት ድኻታት ኣብ ኢድኪ ተረኺቡ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብጋህዲ ረኸብክዎ እምበር ብስውር ደልየ ኣይረኸብክዎን። ብደም እቶም ዝቐተልኪዮም ንፁሃት ድኻታት ተፀዪቑ፤ እንሆ እዝ ዅሉ ጌርኪውን፥


እቲ ሓጥእ ትሕጃ እንተ መለሰ፥ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፥ ግፍዒ እንተይገበረ ብሕግጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፥ ንሱ ርግፅ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ኣይመውትን እዩ።


ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ።


ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos