9 ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ።
ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣምፅአሉ ድማ፥ ንኣኣ ቐለብን ክዳንን ከም ሰበይቱ ዝግባእ መሰል ኣየጕድለላ።
ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ።