8 ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ።
ኣጓላት ከነዓንውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ፅሉኣት ከም ዝኾና ኤሳው ረአየ።
ኣሕዋተይ ግና ኸምቲ ዝነፅፍ ሩባታትን፥ ከም ዝሓልፍ ውሕጅን ጠለምቲ ኾኑኒ።
“ሰብ፥ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፥ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወፁ ኣገልገልቲ፥ ሓራ ኣይትውፃእ።
ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ።
ሙሴ ኸዓ “እንሆ ኻባኻ ውፅእ ምስ በልኩ ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ እየ፤ እቲ ፅንፅያ ኸልቢውን ኻባኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ፅባሕ ከግልስ እዩ። ንስኻ ግና ነቲ ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ምስዳድ ከይትኣቢ፤ መሊስካ ኸዓ ኸይተዐሽወና” በሎ።
ስለ ዝጠለሙ፥ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ጓል ዝተሓፅየ ሰብ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ? ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዐዋስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ኢሎም ይዛረብዎም።
ኣቦኡን እኖኡን ድማ “ካብቶም ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽተእቱ እትኸይድስ፥ ኣብ ኣዝማድካን ኣብ ህዝብናንዶ ጓል ስኢንካ ኢኻ?” በልዎ። ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ።
እምበኣር በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጌዴዎንን ንገዛኡን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም ንኣቢሜሌክ እንተ ደኣ ኣንጊስኩምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ተሓጐሱ፤ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ።
ሳኦል ድማ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ከዓ ተሰምዖ እሞ “ንዳዊት እልፊ ሂበናኦ፥ ንኣይ ግና ሽሕ ሂበናኒ፤ ደጊም መንግስቲ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ ዘላ” በለ።
“ዝፈርደልና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ንሳሙኤል ኣሕዘኖሞ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።