7 “ሰብ፥ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፥ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወፁ ኣገልገልቲ፥ ሓራ ኣይትውፃእ።
ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ።
ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ፈረድቲ የቕርቦ፤ ኣብ ማዕፆ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸዓ እዝኑ ብመስፈ ይስቈሮ፤ ክሳዕ ሕልፈቱ ኸዓ ይግዝኣዮ።
ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ።